Om a-kassan på tigrinska

Om a-kassan på tigrinska

Tigrinska

ናብ ማዕከን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ ሽወደን፣ a-kassan እንቋዕ ብደሓን መጻኹም!

እዚ a-kassan እዩ

ህላውነት ናይ A-kassan ንስኻ ከም ሰራሕተኛ መጠን ስራሕካ እንተ ከሲርካዮ ውሕስነት ንኽህበካ እዩ። ናይ ሽወደን ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ (The Swedish Building Workers Union A-kassa) ኣብ ኢንዱስትሪ ህንጻን ቅብኣን ትሰርሕ እንተኾንካ ምእንታኻ ዝቐውም እዩ።

ስለምንታይ ኣባል ናትና ክትከውን የድልየካ

ኣባል ናትና ማዕከን ሽቕለት ኣልቦነት ምስ እትኸውን፣ ንደሞዝካ መድሕን ትገብረሉ። ብድሕሪዚ ስራሕ ምስ እተቋርጽ ካሕሳ ንኽትረክብ ናባና ከተመልክት ትኽእል።
ኣባልነት ኣብ ክልቲኡ ማዕከን ሽቕለት ኣልቦነትን ናብቲ ማሕበርን ከም ሰራሕተኛ መጠን ዝበለጸ ውሕስነት ይህበካ።

ብኸመይ ኣባል ትኸውን

ናይ ኣባልነት መመልከቲ ኣብ byggnadsakassa.se ብምኻድ ምላእ። ብመንገዲ ወረቐት መንነት ናይ ባንክኻ ኣቢልካ እቶ። ናይ ባንክ ወረቐት መንነት እንተ ዘይብልካ፣ ነቲ መመልከቲ ቕጥዒ ብምምላእ ናብ ገዛኻ ክለኣኸልካ ብድሕሪኡ ክትፍርመሉ ሕተት። ብድሕሪ ምፍራምካ ተመሊስካ ናባና ንኽትሰዶ ኣይትረስዕ።

ክቡር ዘይኮነ መድሕን

ኣባል ናይዚ ማዕከን ሽቕለት ኣልቦነት ንኽትከውን ብዙሕ ክሳራ የብሉን። ነቲ ዝምልከተካ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ኣብ byggnadsakassa.se ክትረኽቦ ትኽእል። እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ክፍሊት ብቐጥታ ደቢት እዩ። መመልከቲ ናባና ምስ ኣቕረብካ ነዚ ብቕልጡፍ ኣዳልዎ። ነዚ ድማ ኣብዚ byggnadsakassa.se/autogiro ብምኻድ ትገብሮ።

ተርጓሚ የድልየካ ድዩ?

ካባና ትረኽቦ ሓበሬታ ንምርድኡ ይጽግመካ እንተኾይኑ፣ ምናልባት ኣስተርጓሚ ክሕግዘካ ይኽእል? ንገረና እሞ ክንሕግዘካ ኢና። እዚ ድማ ብነጻ ኢኻ ትረኽቦ።

ስራሕ ዘይብልካ ምስ እትኸውን

ካብ A-kassan ካሕሳ ክሓትት ዝኽእል መን እዩ?

ዝኾነ ኣባል ናይዚ ማዕከን ሽቕለት ኣልቦነት ካሕሳ ክሓትት ይኽእል።

ክንደይ ዝኣክል ትረክብ?

ክልተ ዓይነት ካሕሳታት ኣለዉ፣ ሓደ ኣብቲ ሕሉፍ ደሞዝካ ዝምርኮስ ( ኣብ እቶት ዝምርኮስ ካሕሳ) ከምኡውን ሓደ ካልእ መሰረታዊ ካሕሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ። ኣየናይ ዓይነት ካሕሳ ይግበኣካ ንምፍላጥ ምሳና ንኽንደይ እዋን ኣባል ኮንካ ምንባርካ እዩ ዝውስኖ።

ኣብ ሕሉፍ ደሞዝካ ዝምርኮስ ካሕሳ

ኣብ ሕሉፍ ደሞዝካ ዝምርኮስ ካሕሳ ንምርካብ፣ ምሳና እንተወሓደ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ኣባል ኮንካ ብምጽናሕ ነቲ መሰረታዊ ጠለባትን ናይ ስራሕ ኩነታትን ናይ ኣባልነትና ዘማላእካ ክትከውን የድልየካ። ብድሕሪዚ ክሳብ 80% ናይ ዝሓለፈ ደሞዝካ ክሳብ SEK 1 200 ንመዓልቲ ኣብተን ቀዳሞት 100 መዓልታት ክትወስድ ትኽእል። ብድሕሪዚ እዚ ዝተጠቕሰ ጊዜ ፣ ካሕሳ ናብ SEK 1 000 ኣብ መዓልቲ ይጎድል።

መሰረታዊ ካሕሳ

እንተደኣ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ኣባልነት ዘይጸንሓካ ግን መሰል ናይ ካሕሳ ዝጠልቡ ረቛሒታት ተማልእ ምስ እትኸውን፣ ነዚ መሰረታዊ ካሕሳ ክትቅበል ትኽእል። በዚ ድማ እንተበዝሐ ንመዓልቲ SEK 510 ትቕበል።

እቶም መሰረታውያን ጠለባት እንታይ እዮም?

መሰረታውያን ጠለባት ማለት ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ዕዮ (Public Employment Service) ዝተመዝገብካ ክትከውን፣ ከምኡውን እንተወሓደ ን ሰለስተ ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ወይ 17 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ንክትሰርሕ ዝዕንቅጸካ ምስ ዘይህሉን ወይ ካብ ናይ ዕዮ ዕዳጋ ምስ እትወጽእን ማለት እዩ።

ኩነታት ስራሕ እንታይ እዮም?

ኩነታት ስራሕ ማለት ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ እንተወሓደ 60 ሰዓታት ኣብ ወርሒ ብውሑዱ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስራሕካን ወይ ድማ ኣብ ተኸታታሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን 420 ሰዓታት ምስራሕካን የመልክት። ዝኾነት ወርሒ ትሕቲ 40 ሰዓታት ዝሰራሕካሉ ኣይሕሰብን።

ነጻ ኮንካ ክትረኽበና ትኽእል

ኣብ ዌብሳይትና ብዛዕባ ማዕከን ሽቕለት ኣልቦነት ከምኡውን ስራሕ ደው ምስ እተብል እንታይ ክትሓስብ ከም ዘለካ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ኣባል ክትከውንን ተወሳኺ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ናባና ክትድውልን እዩ።

ኣብዚ ዘለናሉ ንዓኻ እዩ!

Uppdaterad:
Sidansvarig: Byggnads a-kassa
Kategorier: